ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምላሽ ዝረክብ ብናዕቢን ክውከትን ዘይኮነስ ንሰላም ቅድሚት ብመሃብ ኢዩ – ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምላሽ ዝረክብ ብናዕቢን ክውከትን ዘይኮነስ ንሰላም ቅድሚት ብመሃብ ኢዩ ክብሉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ክላስተር ጉዳያት ምምሕዳር ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ፀፅታ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ “ዝተወደቡ ጉጅለ ዘረፍቲ ብዕጥቂ ተሓጊዞም ነቲ ክልል ማእኸል ቅልውላው ንምግባር ተንቀሳቒሶም ኢዮም” ኢሎም።
እዚ ድማ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ ካብ ምስዓቡ ሓሊፉ ስሩዕ ምንቅስቓሳት ብምትእጉጓል ኣብ ቁጠባዊ ሃፍቲ እቲ ክልል ጉድኣት ከምዘስዐበ ኣብሪሆም።
ዝተወደበ ዘራፊ ጉጅለ÷ ሓረስታይ ስራሕቲ ሕርሽኡ እናወገነ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ኲናት ምኽፋቱ ፀረ ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር ከምዘርኢ እውን ገሊፆም፡፡
ሽምን ተግባርን መኸተ ሉኣላዊነት ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ንምጉዳፍ ዝፅዕሪ ኣካላት ከምዘለዉ እውን ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም፡፡
“ይኹን እመበር ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ክልል ሰላምን ምርግጋእን ክፍጠር ኣብ ምግባር ማእገር ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ” ኢሎም፡፡
ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምትሕብባር ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንኸዓስል እናሰርሖ ንዝርከብ ተግባር ምስጋና ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምላሽ ዝረክብ ብናዕቢን ክውከትን ዘይኮነስ ንሰላም ቅድሚት ብመሃብ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ÷ ዕላማ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ንናዕቡን ፀገምን ምቅላዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ነበርቲ እቲ ክልል ብዝተፈላለዩ ቤላቤሎታት እንተይተደናገሩ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ብምባል ገበነኛታት ተሓተትቲ ናይ ምግባር ምትሕብባሮም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲቶም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com