Fana: At a Speed of Life!

ዝኽሪ 2ይ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝኽሪ 2ይ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተሳሊጡ።

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ፥ እቲ መርሃ ግብሪ “ንሓዋሩ ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኻይዱ፡፡

ኣፍቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሓላፊ ኣመራርሓ ኣካዳሚ እቲ ክልል ኣይተ ኢድሪስ መሓመድ፤ ናብ ዝሐሸ ሓባራዊ ዕብየትን ሰላምን ንምኻድ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብፅሒቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ “ንሓዋሩ ኣይንርስዖን” ብዝብል መሪሕ ቃል ካልኣይ ዓመት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተሓሲቡ ውዒሉ፡፡

እቲ መዓልቲ ብልገሳ ደም፣ ጧፍ ብምብራህ የማናይ ኢድ ኣብ ደረት ብምግባር ተሓሲቡ ከምዝወዓለ ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣረዲኡ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መዘከርታ 2ይ ዓመት ኣብ ክልል ሃረሪ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣፈ ጉባኤ ክልል ሃረሪ ሱልጣን ኣብዱሰላም ከምዝበልዎ፤ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ዝበፅሐ ጥቕዓት ንሓዋሩ ኣይንርስዖን ኢሎም።

ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጅግጂጋ ንሓዋሩ ኣይንርስዖን ብዝብል ጭርሖ ብተመሳሳሊ ተኻይዱ።

ኣብቲ መዘከርታ መርሃ ግብሪ ተወካሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማልን ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ እቲ ክልል ኣይተ ጠይብ ኣሕመድ ከምዝበልዎ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንህይወቱ በይዛ ብምግባር ንሉኣላውነት ሃገርና ዝኸፈሎ ዋጋ ንሓዋሩ ኣይንርስዖን ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝተፈላለዩ ቢሮታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መዘከርታ 2ይ ዓመቱ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ተሓሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.