Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለያ ዩንቨርስቲታት ተምሃረአን ኣመሪቐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ዩንቨርስቲ ወላይታ ሶዶ፣ ሚዛን ቴፒ፣ ወልዲያ፣ ደባርቅ ባህር ዳ በዝተፈላለዩ መርሃ ገበርታት ዘሰልጠነኦም ተምሃሮአን ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቐን።

ዩንቨርስቲ ሚዛን ቴፒ ለዕሊ 2 ሺሕ፣ ወላይታ ሶዶ 5 ሺሕን 310 ተምሃሮ ኣመሪቐን።

ዩኒቨርሲቲ ደባርቅ ድማ 773 ተምሃሮ ንመጀመርታ ጊዘ ኣመሪቓ።

ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር 5 ሺሕን 117፣ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ  2 ሺሕን 785 ተምሃሮ ኣመሪቐን።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ፕሮፌሰር ታከለ ታደሰ፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ ኣብ ኣፀጋሚ ችዋን ንምረቓ ምብቀዖም ንካልኦት ኣብነት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ተምሃሮ ዝረኸብዎ ፍልጠት ብተኣማንነት ንህዝቢ ንከገልግሉ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብብስራት መንግስቱ፣ አገኘሁ አበባውን ጥላሁን ሁሴንን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.