Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዘሰልጠነኦም ተምሃሮአን ኣመሪቐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዘሰልጠነኦም ተምሃሮአን ኣመሪቐን።

ሎሚ መዓልቲ ተምሃሮአን ካብ ሞንጎ ዘመረቓ ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር፥ ብስሩዕ፣ ብተኸታታሊን ክረምታዊ መርሃ ግብሪን ዝሰልጠኑ 7 ሺሕን 293 ተምሃሮ ኣመሪቓ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ተመረቕቲ 4 ሺሕን 804 ደቂ ተባዕቲዮ እንትኾኑ፥ 2 ሺሕን 489 ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ሓዊሱ ሚኒስትር ዲኤታ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ወይዘሮ ህይወት ሃይሉ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ እንጅባራ ብዝተፈላለየ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተንሃሩኡ ኣመሪቑ፡፡

እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ 525 ደቂ ተባዕትዮን 432 ደቂ ኣንስትዮን ብሓፈሻ 957 ተምሃሮ ኣብ ኣርባዕተ ኮሌጃትን ብ21 ዓውዲታት ትምህርቲን ዝሰልጠኑ ኢዮም፡፡

ብዘቢብ ተኽላይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.