Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለያ ትካላት ሃይማኖት ብሕልፈት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብሕልፈት ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን።

ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብሕልፈት ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝተሰማዓ ሓዘን ገሊፃ።

እታ ቤተ ክርስቲያን፥ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ሓፍቲ ንዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተኻፋሊት ሓዘኖም ምዃና ገሊፃ፡፡

“እግዚአብሔር ንኢትዮጵያውያንን ንኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ፅንዓት ንኅልእኸሎም ንልምን” ክትብ ልእውን ኣብ መግለፂ ሓዘና ኣፍሊጣ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ብሕልፈት ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ ንህዝበ ክርስቲያን ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ካውንስል ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ብግደኣ፥ ብሕልፈት ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፤ ቅዱስነቶም ንነገራት ብፀሎት፣ ብኣርምሞን ብትዕግስቲን እናመርመሩ ከቢድ ዝመስል ኩነታት ተፃዊርካ ኣብ ምሕላፍ ብኣብነት ዝፅሑ ኣቦ ከምዝኾ ኣብሪሃ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.