Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ብሪታኒያ ዝግበር ጉዕዞ እንትእግዳ ስዑድ ዓረብ ድማ ዓለም ለኸበረራታት ጠጠው ኣቢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እንግሊዝ እናተስፋሕፈሐ ዝርከብ ሓዱሽ ቫይረስኮሮና ምኽንያት ብምግባር ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ናብ ብሪታኒያ ዝግበሩ በረራታት ደው ምባሎን ኣፍሊጠን።

ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰን፥ ብምኽንያት ዝርገሐ እቲ ሓዱሽ ቫይረስኮሮና ምስ ልደት ተተሓሒዞም ዝግበሩ ዕድጊታት ምስራዞም ገሊፆም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ጀርመን፣ ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ኣርጀንቲና፣ ቺሊ፣ ኮሎምቢያን ካልኦት ሃገራትን ናብ ብሪታኒያ ዝግበር በረራ ኣጊደን፡፡

ስዑድ ዓረብ ብግደኣ፥ ብምኽንያት እቲ ሓዱሽ ቫይረስኮሮና ዓለም ለኸ በረራታት ጠጠው ክብል ምግባራ ገሊፃ፡፡

ስዑድ ዓረብ ንሓደ ሰሙን ጠጠው ክብል ዝገበረቶ ጉዕዞ፥ ብመሬትን ባሕርን ዝግበር ጉዕዞ ከምዘሓውስ እውን ገሊፃ፡፡

ደቡብ ኮሪያሓሙሽተን ካብኡ ንላዕሊን ኮይንካ ምእካብ ከምዘኣገደት ኣፍሊጣ ኣላ፡፡

እቲ ሓዱሽ ቫይረስኮሮና ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ብሪታኒያ ከምዝተርኣየ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝገለፀ እንትኸውን፥ ቀዲሙ ካብ ዝተርኣየ ቫይረስኮሮና ብዝኸፍአ መልክዑ ዝዝርጋሕ ክኸውን ከምዝኽእል ኣገንዚቡ፡፡

ፍልፍል፡- ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.