Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ትካላት ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ሓገዝ ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ሓገዝ ኣረኪቦም።

ቢሮ ጌዳያት ደቂ ኣንስትዮ፣ ሃፃናትን ማሕበራዊን፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልፅግናን ኤጀንሲ ምገባን ኢዮም ንሰራዊት ምክልኻል ዘተኣኻኸቡዎ ሓገዝ ኣረኪቦም ዘለዉ፡፡

ልዕሊ 12 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ዘበርከቱ ቢሮ ጌዳያት ደቂ ኣንስትዮ፣ ሃፃናትን ማሕበራዊን፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልፅግናን እንትኾነ፥ ኤጀንሲ ምገባ ድማ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን ከማኡእውን ኣብ ስራሕቲ ምገባ ተምሃሮ ዝተዋፈራ ኣዴታት ካብ መሃየአን 500 ሺሕን ኢዩ ሓገዝ ከምዝገበሩ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ዝተዋፈሩ ኢትዮጵያውያን ንካልኣይ ግዘ ዘዋፅኡዎ 23 ሺሕን 655 ዶላር ኣሜሪካ ንሚኒስቴር ምክልኻል ምርካቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.