Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ትካላት ንሰራዊት ምክልኻልን ተመዛበልቲን ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ወረዳ ዳንጉር፣ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያን ሆስፒታል ቤጂንግ ጥሩነሸ ንሰራዊት ምክልኻልን ተመዛበልቲን ሓገዝ ገይሮም፡፡

ኣብ ዞባ መተከል ነበርቲ ወረዳ ዳንጉርን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ልዕልነት ሕጊ እናኽበረ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ሓገዝ ምብርካቶም ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ሓገዝ ሓይሊታት ፀፅታ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምኽባር እናገበሩዎ ዝርከቡ መስዋእትነት ብምርዳእን ዝተጀመረ ዘላቒ ሰላም ናይ ምዕሳል ተግባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዝተገበረ ከምዝኾነ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ብርሃኑ ክንፉ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ሰራሕተኛታት፣ ኣመራርሓታትን ማሕበር መሰረታዊ ሰራሕተኛታትን ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ብኲናት ዝተጎድኡ ዜጋታት ዝኸውን 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዝግመት ክዳውንቲን ንመዓልታዊ ምግቢ ዝኸውንን ብሓገዝ ኣበርኪቶም፡፡

ኣብ ትሕቲ ቢሮ ጥዕና ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሆስፒታል ቤጂንግ ጥሩነሸ እውን ልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዘውፅኡ ዝተፈላለዩ እታወታት ሕክምና ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከብ ጣቢያ ጥዕና ጃራ ኣረኪቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.