Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ትካላት ልዕሊ ብር 13 ሚሊየን ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዝተፈላለዩ ትካላት ልዕሊ ብር 13 ሚሊየን ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ሓገዝ ገይሮም።

ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ከምኡ እውን ንሃንደበታዊ ኩነታት ዝውዕል ገንዘብን ካልኦት ቀረባትን ንምትእኽኻብ ዝቐረበ ሃገራ ፃውዒት ስዒቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ሓገዞም ንሃገራዊ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ሓገዝ ኣረኪቦም።

ብመሰረት እዚ ማሕበር ኣፍረይቲ መድሓኒትን መገልገሊ መሳርሒታት ሕክምናን ኢትዮጵያ ብር 2 ሚሊየን 800 ሺሕ ጥረ ገንዘብን 7 ሚሊየን 247 ሺሕ ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ሕክምና ሓገዝ ገይሮም።

ብተመሳሳሊ ማሕበር ኣክሲዮን ካፒታል ኣቑሑት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኢትዮ ሊዝ ብር 1 ሚሊየን 680 ሺሕ፣ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ዛብሎን ትዲንግ ብር 1 ሚሊየን ከምኡ እውን ማሕበር ኣክሲዮን ብሄራዊ ሕቡራት ፔትሮሊየም ብር 500 ሺ ሓገዝ ገይሮም ኢዮም።

ብሓፈሻ ድማ ብር 5 ሚሊየን 980 ሺሕ ብጥረ ገንዘብ፤ ብር 7 ሚሊየን 247 ሺሕ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ሓገዝ ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.