Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ከተማታትን ብሕልፈት ህይወት ኣበበች ጎበና ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ከተማታትን ብሕልፈት ህይወት ዶክተር ኣበበች ጎበና ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ መንግስቲ እቲ ክልል ብሕልፍ ህይወት ዶክተር ኣበበች ጎበና ሓዘን ከምዝተሰመዖ ገሊፆም።

ክብርት ዶ/ር አበበች ጎበና ኣዶ ኩሉ ከምዝኾን ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ እውን ኢሎም።

ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን፥ ኣዶ ሚሊናት፣ ኣርኣያ ኣዶነት፣ ሰናይ ተግባር፣ ፍቕሪ፣ ጥንካረ ክብላ ገሊፀነአን።

ብኣካል ካባና እንተተፈለያ እውን ብእወንትዊ ተግባረንን ጅግንነተንን ልዕሊ መቓብር ብምዃን ኩሉ ጊዘ እንተዘከራን እናተወደሳን ክነብራ ኢየን ኢለን።

እቶም መራሕቲ ንቤተሰብ፣ ፈተውቲን ካልኦት አካላትን ካብ ልቢ ምፅንዕናዕ ምምንዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.