Fana: At a Speed of Life!

ዝተገበሩ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ንመልማዕቲ ሓድሽቲ ዕድላት ከምዝኸፈቱ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዝገበረቶም ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ንመልማዕቲ ሓድሽቲ ዕድላት ከምዝኸፈቱ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ኣገንዚቦም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ቤጂንግ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ልዑል ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ቻይና ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ቻይና ትኽተሎ መምርሒ ሓበራዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ከምትንእድ ገሊፆም፡፡

ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኢትዮጵያ ከምትሰርሕ ብምርግጋፅ÷ ትርከበሉ ቁልፊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቦታ ምስ ሃፍቲ መዓድንን ዘለዋ ዓቕሚ ሃፍቲ ሰብን ተደሚሩ ተፈላጊነታ ክብ ከምዘብሎ ኣብሪሆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.