Fana: At a Speed of Life!

ዝተገበረ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ሕቶ ማሕበረሰብ ንግዲ ይምልስ ኣሎ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተገበረ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ሕቶ ማሕበረሰብ ንግዲ እናመለሰ ከምዝኾነ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ማኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን “ናይ ኢትዮጵያ ይዓድጉ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘሰናደኦ ሃገር ለኸ ዓውደ ምርኢት ሰሙን ንግዲ ብዕሊ ተኸፊቱ፡፡

እቲ ዓውደ ምርኢት ንዝቕፅሉ ሓሙሽጸ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን÷ ዓደግቲን ሸየጥቲን ምርኻብ፣ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ዓቕሚ ምርኣይ ከምኡ እውን ንግዲ ብዝምልከት ግንዛበ ዘዕብዩ ልዝባት ዝግበሩሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘላቒን ዘተኣማምንን ንምግባር ዘበናዊ ስርዓት ንግዲ ምዝርጋሕ ይግባእ፡፡

መንግስቲ ዘፈር ውልቀ ተወዳዳሪ ንምግባር ምቹው ኩነታት እናፈጠረ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እናተፈጠሩ ካብ ዝርከቡ ምቹዋት ኩነታታት ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

“እቲ መመሓየሺ ሕቶታት ማሕበረሰብ ንግዲ ዝመለሰ ኢዩ” ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.