Fana: At a Speed of Life!

ዝተዋደደ ስርዓት ምሕደራ ማሕበራዊ ውሕስና ንምዝርጋሕ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርበብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ዝተዋደደ ብሄራዊ ስርዓት ምሕደራ ማሕበራዊ ውሕስና ንምዝርጋሕ ስምምዕነት ተኸቲሙ።

እቲ ስምምዕነት÷ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ኢንፎርሜሽንን (ኢመደኣ) ምስ ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕስና ሰራሕተኛታት ውልቀ ትካላትን ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕስና ሰራሕተኛታት መንግስቲን ኢዩ ተፈሪሙ፡፡

ኣብ መርበብ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ ዝተዋደደ ብሄራዊ ስርዓት ምሕደራ ማሕበራዊ ውሕስና ንምዝርጋሕ ዘኽእል ስምምዕነት እንትኸውን÷ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጡ ሸውዓተ ኣናእሽተይ ሲስተማት ዝሓዘ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ናይ ጡረታ ምዝገባ፣ ክፍሊት ኣበርክቶ ጡረታ፣ ተረባሕነት ጡረታን ካልኦት ስርዓታትን ብምውዳድን ብቴክኖሎጂ ብምዝማንን ስራሕ ከምዘቀላጥፍ እውን ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም ናይ ጡረተኛታት ክፍሊት ናይ ምትእኽኻብን ኣታዊ ምዕባይን ብዝሐሸ ንምዝማን ዘኽእል ዓብዪ ለውጢ ኣሰራርሓ ከምዘምፅእ ምግላፁ ሓበሬታ ኢመደኣ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.