Fana: At a Speed of Life!

ዝተዋደደ ስራሕቲ ብምስራሕ 5 ቢሊየን ብር ንሎጅስቲክስ ክወፅእ ዝነበረ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተዋደደ ስራሕቲ ብምምሕያሽ ብዝተሰርሐ ስራሕቲ 5 ቢሊየን ብር ንሎጅስቲክስ ክወፅእ ዝነበረ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ተገሊፁ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣፍሊጡ።

“ክእለት ሎጂስትክን ምውዳድ ትካላትን ንዘላቂ ትራንስፎርሜሽ ኢኮኖሚ”ብዝብል መሪሕ ቃል ግንዛበ ንምፍጣር ዝዓለመ መድረኽ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተሳሊጡ።

ተግባራዊ ብዝተገበረ ምምሕያሽ ሃገር ቦቀል ኢኮኖሚ ግዳማዊ ፅዕንቶ ምምካት ተካኢሉ ክብሉ ሚኒስተር ትራንስፖርትን ሎጀስቲክስ ዶክተር አለሙ ስሜ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኹለመናዊ ምዕበለታት እናምፀአት ምዃና ንኹሉ ግልፂ እዩ እውን ኢሎም፡፡

ካብቶም ምምሕያሻት  ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ሓደ ኣካል ኾይኑ ክትግበር ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ዝፀደቑ ዓውድታት እቲ ሓደ ዓውዲ ሎጂስቲክ ምዃኑ እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ወፃእን ኣታውን ንግዲ ኢሉውን ምዝውዋር ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ብልዑል መጠን ከም ዝወሰኸ ገሊፆም፡፡

እቲ ምንቅስቃስ ብመንፅር ኣታውን ወፃእን ንግዲ እንትነፃፀር ብብዙሕ ፈተናታት ዝተሓፀረ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.