Fana: At a Speed of Life!

ዝተወደበን ህርኩትን ሓረስታይ ዘለውዎ ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንግልጋሎት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔትን ውሕስና ምግብን ዝውዕላ ሚኒስትር ግብርና ፌዴራል ብደገፍ ዝለኣኸን 32 ተሽከርከርቲ ን32 ወረዳታት ተዋሂበን።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዝተገነዩ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ዝተወደበን ህርኩትን ሓረስታይ ትግራይ ዘለውዎ ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

እኹል ናውቲ ኣብ ዘይተማለኣሉ ኩነታት ኮይንኩም ትሰርሑ ከምዘለኹም ይርዳእ እየ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ እተን ተዋሂበን ዘለዋ ተሽከርከርቲ ንስራሕን ስራሕን ጥራሕ ክውዕላ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዘለው ሕፅረታት ብቕልጡፍ ብምፍታሕ ገዚፍ ዕማም ንምውጋን ርግፀኛታት ኮይንና ክንሰርሕ ይግባእ ድማ ኢሎም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኢያሱ ኣብረሃ(ዶክተር) ብግደኦም፥ እቲ ሓገዝ ኣብ ምዕዋት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሰፍትኔትን ምግቢ ውሕስናን ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ካብ 56 ተጠቀምቲ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሶፍትኔትን ምግቢ ውሕስናን ተረባሕቲ ወረዳታት  ነተን 32 ወረዳታት ጥራሕ ከምዝበፀሐ ብምግላፅ፥ እተን ዝተረፋ ወረዳታት ኣብ ቀረባ እዋን ተሽከርከርቲ ክረኽባ ምዃነን ሓቢሮም።

እተን 32 ተሽከርከርቲ ከቢድ ፀገም ንዘለወን ወረዳታት ቀዳምነት ክረኽባ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.