Fana: At a Speed of Life!

ዝተኻየደ ሰልፊ ኢትዮጵያውያን ንዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ዘይምብርከኹ ምዃኖም ዘርአዩሉ ኢዩ – ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፊታት ዝተኻየደ ሰልፊ ኢትዮጵያውያን ንዝኾነ ይኹን ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ዘይምብርከኹ ምዃኖም ዘርአዩሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ብፍሉይ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየዱ ሰልፊታት ኢትዮጵያውያን ንዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ዘይምበርከኹ ምዃኖም ኢዩ።

እቶም ዝተኻየዱ ሰልፊታት ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ተግባር ጥፍኣት ከምኡ እውን ዝተዛበዐ ፀብፃብ ናይ ወፃኢ መራኸብቲ ከሓፋሽ ዝኹንኑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ወራሪ ጉጅለ ህወሓት ካብ ስሩዕ ኲናት ወፃእ ውግእ ብምዝናፍ ብፍላይ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብዙሓት ቦታታት ወራር ብምፍፃም ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ህይወት ሰብ ብምቕጣፍ፣ ናይ መንግስቲን ውልቀ ሃፍቲ እናዘረፈን እናዕነወን ከምዝርከብ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

እዘቲ ተግባር ምምካት ዝከኣል ብዝተዋደደ ምንቅስቓስ ህዘቢ ስለዝኾን፥ መንግስታት ክልልን ፌዴራልን ብዘቕረቡዎ ናይ ሓባር ፃውዒት ክተት ካብ ህዝቢ ብዙሓት ኣወንታዊ ምላሻት ከምዝተውሃቡ እውን ኣብሪሆም።

ናይዚ ሰሙን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝተርኣየ ናይቲ ጉጀለ ግበር ራዕዲን ናይ ወፃኢ መዲያን ኢድ ኣእታውነት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ እው ብመሰረት እቲ ፃውዒት ዝተረኸበ ውፅ ከምዝኾነን ህዝቢ እውን ንፃውዒት ምኽባር ህላወ ምላሽ ዝሃበሉ ከምዝኾነ ዘመላኽት ኢዩ ኢሎም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.