Fana: At a Speed of Life!

ዝተተኸሉ ፈልሲታት ምክንኻን ካብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ትፅቢት ዝግበር ኢዩ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተተኸሉ ፈልሲታት ምክንኻን ካብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ትፅቢት ዝግበር ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ “ምትላም፣ ምትግባር፣ ምዕዋትን ምክትታልን” ብዝብል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓማውቲ እዋን ክራማት እንትመፅእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተለመዱን ከም ባህሊ ዝተወሰዱን ሃገራዊ ተግባራት ኣለዉ ኢሉ።

እዚኦም ድማ ሓምለዋይ ኣሰርን ኣገልግሎት ወለንታዊያንን ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

ካልኣይ ምዕራፍ መርሃ ግብሪ ምንባር ኣሰር 1 ሰነ 2015 ዓ.ም “ንፅባሕ ሎሚ ንትከል” በዝብል ከምዝተጀመረ ገሊፁ።

10 ሓምለ ድማ ኣብ ሓደ ፀሓይ 567 ሚሊየን ፈልሲ ኣብ 9 ሺሕን 500 መተከሊ ጣቢያታት ከምዝተተኸለ ገሊፁ።

ኣብዚ ልዑል ተግባር ልዕሊ 34 ሚሊየን ዜጋታት ከምዝተሳተፉ ኣዘኻኺሩ።

ስለዝኾነ ከም ትልሚ ዝተትሓዘ ተተግቢሩ ኣሎ ኢሉ።

እቶም ዝተተኸሉ ፈልሲታት ምክንኻን ከምዘድሊ ገሊፁ።

ምትካልን ትልሚ ምዕዋትን ሓደ ውፅኢት ምዃኑ ብምግላፅ፥ ነዚ ምክትታልን ምክንኻን ድማ ቀፃሊ ጠመተ ዝደሊ ኢዩ ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.