Fana: At a Speed of Life!

ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ ሓምለ ምልኣኽ ተጀሚሩ- ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ናብ ሃገራት ኣውሮፓኣብ ወርሒ ሓምለ ምልኣኽ ከምዝተጀመረ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኣፈፃፅማ ትልሚ ምውፋር ስራሕ ሃገራት ወፃኢ ብምግምጋም ቀፃሊ ኣንፈታት ከምዝተቐመጡ ሓቢረን።

ካብቲ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ልምዲታት ብምውሳድ ኣብ ምውፋር ስራሕ ሃገራት ወፃኢ ብዙሓት ዜጋታት ተረባሕቲ ንምግባር ኩሉ መዳርግቲ ኣካል እቲ ዓውዲ ግድኡ ብኣግባቡ ብምፍላይን ብምትላምን ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተዛሪበን።

ዝሰልጠናን ብኽፋል ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ቅድም እንትብል ካብ ዝነበረ ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝግበር ጉዕዞ ብተወሳኺ ናብ ሃገራት ኣውሮፓ መልኣኽ ከምዝተጀመረ እውን ኣብሪሀን።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ዝተመዝገበቡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እቲ ዝሓሸ ከምዝኾነ ርኢና ኢና ኢለን።

ኣወሃህባ እቲ ኣገልግሎት፥ ፍትሓዊ፣ ስሉጥን ሓፈሻዊ ምውፋሩ መሰልን ድሕንነትን ዜጋታት ዝሓለወን ንክኸወን ብምግባር ኣብ ወርሒ ሓምለ 26 ሺሕን 195 ዜጋታት ብምስልጣን ናብ ስራሕ ምውፋር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.