ዝማዕበለ ኣእምሮ ዝፈረሰት ከተማ ይሃንፅ፤ ዝፈረሰ ኣእምሮ ድማ ዝተሃነፀት ከተማ የፍርስ -ብዓል ሞያ ቅኒተ ሕልና
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝማዕበለ ኣእምሮ ዝፈረሰት ከተማ ይሃንፅ፤ ዝፈረሰ ኣእምሮ ድማ ዝተሃነፀት ከተማ የፍርስ ክብል ብዓል ሞያ ቅኒተ-ሕልና (ማይንድ-ሴት) ገሊፁ።
እቲ ብዓል ሞያ፥ ጥዕንኡ ዝሓለወ መነባብሮን መንነትን ንክህልወና ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ክህልወና ግድን እዩ ኢሉ።
ከምዘለዎም ምስ ፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት መሶብ ትግርኛ ፃንሒት ዝገበረ በዓል ሞያ ቅኒተ ሕልና (ማይንድሴት)መንእሰይ ሮቤል ሓረጎት፥ ደቂ ሰባት ጥዕንኡ ዝሓለወ መነባብሮን መንነትን ንክህልዎም አወንታዊ ኣተሓሳስባ ከማዕብሉ ኣለዎም ከብል ገሊፁ።
ኩሉ ሰብ ኣብ ውሽጡ ዓምዩቚ ዝዀነ ዓቕምን አወንታዊ ኣተሓሳስባን ክህልዎ ይግባእ ዝበለ እቲ ብዓልሞያ፥ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኡ ድማ ዓርሰ ምርድዳእን ነገራት ናብ ዝገደደ ጎንፅን ዘየድልዩ ኩነታትን ቅድሚ ምምርሖም ኣቐዲምካ ባህሊ ምርድዳእን ልምዲ ፀገማት ተዘራሪብካ ምፍታሕን ንክህሉ ፀዊዑ።
“ይቕሬታ” ምግባር ጥዕንኡ ዝሓለወን ሰላማዊ ዝዀነን ናብራ ንምንባር ልዑል ግደ ኣለዎ ድማ ኢሉ።
እቲ ብዓልሞያ ቅኒተ ሕሊና፥ እእምሮ ደቂሰባት ካብ ቂም በቀል ናፃ ክኸውን ከምዝግባእ ምዒዱ።
ወለዲ ኣቐዲሞም ደረጃ ዕብየት ኣእምሮ ደቆም ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ ዝበለ እቲ በዓል ሞያ፥ በዚ ድማ ሕድሕድ ወለዲ ደቁ ስልጡን፣ ዝሓሸ ቅኒተ ሕልናን እወንታዊ ኣተሓሳስባን ንክህልዎም ሓገዝ ሰብ-ሞያን ወለድን ኣድላይ ምዃኑ ፀሪሑ።
ዝማዕበለ ኣእምሮ ዝፈረሰት ከተማ ይሃንፅ፤ ዝፈረሰ ኣእምሮ ድማ ዝተሃነፀት ከተማ የፍርስ ክብል እውን ገሊፁ።
“ኩሉ ነገር ካብ ሓሳብ ጀሚሩ እዩ ናብ ተግባር ዝሳገር” ብምባል፥ እዚ ብምዃኑ ድማ ኩላትና ኣተሓሳስባና እወንታዊን ንነገራት እንርእየሎም መንገዲ ቅኑዕን ክኸውን ይግባእ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።