Fana: At a Speed of Life!

ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንዘመዝገቡ ኣባላት ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊክ ዕቤት መዓርግ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ፃንሒት ግዘኦም ዝዛዘሙን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንዘመዝገቡ ኣባላትን ኣመራርሓን ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊክ ዕቤት መዓርግ ተዋሂቡ።

ዕቤት መዓርግ ዝተውሃቦም ኣካላት፥ ካብ በዓል ካሊእ መዓርጋት ክሳብ ልዑል ወታደራዊ ኣራርሓታት ኢዮም።

ንተሸምቲ መዓርግ ዘልበሱን መምርሒ ስራሕ ዝሃቡን ሓላፊ ዋና መምርሒ ሃፍቲ ሰብ ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄነራል ሃጫሉ ሸለመ፥ ብመሰዋእትነትን ኣፈፃፅማ ወፍሪን ዕቤት መዓርግ ንዝረኸቡ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ዝተውሃቦም ዕቤት መዓርግ ንዝበለፀ ወፍሪ ስለዝኾነ፥ ዝተውሃቦም መዓርግ ብዝበለፀ ተጊሆም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ተሸምቲ ብግደኦም፥ ዝተውሃቦም ዕቤት መዓርግ ንዕቤት ሃገሮም ብዝበለፀ ንምስራሕ ዘለዓዕሎም ከምዝኾነን ኣብ ቀፃሊ ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ኩሉ ንምግባር ቆራፃት ከምዝኾኑ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.