ዜጋታት ካርድ መረፃ ወሲዶም ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ክጥቀሙ ይግባእ – ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ካርድ መረፃ ወሲዶም ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ክጥቀሙ ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒትር ኣገንዚቡ።
እቲ ቤት ፅሕፈት 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ መግለፂ ኣውፂኡ።
6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ወርሒ ገንበት 2013 ዓ.ም ከምዝሳለጥን ውሑዳት ሰሙናት ከምዝቐረዩዎን ገሊፁ።
ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ሃገር እናመሓደረ ዝርከብ ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕን ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮዘ ዴሞክራሲያዊ ዝኾነ ምዕሩይ ከባቢ ንኽህሉን ብቆራፅነት ጎዳና ዴሞክራሲያዊነት ሒዙ ከምዝርከብ እቲ ቤት ፅሕፈት ዝውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።
እቲ ሽቶ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ማሕለኻ ከምዘይዕወት ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መንግስቲ ፌዴራል ዴሞክራሲያዊነት ሒዙ ንጉዓዝ ፅኑዕ ድሌት ከምዘለዎ ኣብሪሁ።
ነባር ምምሕዳር ዴሞክራሲያዊ ኣገዛዝኣ ካብ ዘይምህናፁ ብዝብገስ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ጥንኩርን ጥዑይን ዴሞክራሲያዊ ባህሊን ልምዲን ንኽህልዋ ኣድለይቲ ትካላትን ኣተሓሳስባታትን ንምህናፅ ፈታኒ ኩነታት ተጋፊዓ ኢያ ኢሉ።
“ኢትዮጵያውያን እውን ሃገሮም ንታሪኻን ድሌት ኩሩዕ ህዝባን ዝምጥን፤ ከምኡ እውን ዘለዋ መሊኡ ዝተረፈ ዓቕሚ ዕቤት ብዘማእኸለ ኩነታት ሃገሮም ናብ ሓዱሽ ምምሕዳርን ዘበነ ምዕባለን ንምስግጋር ዕድል ቀሪቡሎም ኣሎ” ክብል ገሊፁ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ መግለፂኡ፥ ሰላማዊን ሕጋዊን መረፃ ንምክያድ ካብ ፖሊስ ፌዴራል፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፣ ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ሚኒስቴር ምክልኻልን ኣመራርሓታት ክልላትን ዝተውፃእፀአ ሃገር ለኸ ኮሚቴ ድሕንነት መረፃ ከምዝተጣየሸ ኣብሪሁ።
ዜጋታት ብናፅነት ናይ ምምራፅ ሕገ-መንግስታዊ መሰሎም ንኽጥቀሙ ግደ መንግስቲ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ልዝባት እናተኻየዱ ከምዝፀንሑ እውን ገሊፁ።
እቲ ኮሚቴ፥ ቅልውላው ክፍጠር ከምዝኽእለ ኣንፈት ዝተርኣየሎም ከባቢታት ንምፍላይ ስጉምቲታት ወሲዱ ኢዩ።
ምስ መረፃ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ቅርታታት ንምትእንጋድ ድማ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ስምዕታ መረፃ ዝሰምዐሎም መጋባእያታት ከምዘጣየሸ ተገሊፁ።
ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ መላእ ሃገር ጎስጓ መረፃ እናካየዱ ከምዝርከቡ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ መረፅቲ ኣብ ፍልጠት ዝተመርኮሰ ውሳነ መሃብ ንኽኽእሉ ረብሐኦም ዝተመስከረሎም ዘይሻራዊ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽን ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብን ዝሳተፉሎም ክትዓት ፓርቲታት ፖለቲካ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እውን ዴሞክራሲ ንኽፋሕፋሕ ብዝብል ምስ ፕሬዚዳንታት ክልልን ኣመራርሓታት ቦርድ መረፃን ዝገብሩዎ ኣኼባ ክቕፅል ብምግባር፣ ከይዲ ምድላው ቅድመ መረፃ ዝረአዩ ማሕለኻታትን ፀገማትን ብምፍላይ ናይ ምፍታሕ ፃዕሮም ቀፂሎምሉ ኣለዉ ኢሉ።
ብመሰረት እዚ ድማ 18 ለካቲት 2013 ዓ.ምን 8 ሚያዝያ ዓ.ምን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብመርበብ ሓበሬታ ዝተሓገዘ ኣኼባ፥ በቢክልሉ ኣፈፃፅማ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ኩነታት ምድላው ጣቢያታት መረፃን ተኸታቲሎም ኢዮም።
መረፃ ዝካየደሉ ግዘ ውሑዳት ሰሙናት ዝተረፉዎ ስለዝኾነ፥ ዜጋታት ዝተረፈ ግዜኦም ብምጥቃም ካርድ መረፃ ወሲዶም ዴሞክራሲያዊ መሰሎም ንኽጥቀሙን ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ መረፃ ሃናፂ ተሳትፎ ብምግባር ናፃን ፍትሓዊን መረፃ ንኽካየድ ሓበራዊ ፃዕሪ ንኽገብሩ ፀዊዑ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!