Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት ኣብ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ከምዝግባእ ቀ/ሚ ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብሩ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣገንዚቦም።

ኣብ እዋን መረፃ ዜጋታት ብዝተፈላለዩ መገዲታት ተሳትፎኦም ከረጋግፁ ከምዝኽእሉ እቶም ቀዳማይ ሚነሲትር ኣብሪሆም።

“ካርዲ ወሲዶም ብሰላማዊ መገዲ ንምምራፅ ንባዕሎም ካብ ምድላው ሓሊፎም ኣብ ሲቪክ ማሕበራት ብምእታው ከይዲ መረፃ ግልፂን ተኣማኒን ንኽኸውን ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ከመርክቱ ትፅቢት ይግበረሎም” ኢሎም።

ዜጋታት ኣብ ኣወሃህባ ካርዲ፣ ጎስጓ መረፃ ብዝምልከትን ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂን ዝበሉ ጉዳያት ቁፅፅር ክገብሩ ከምዝኽእሉ እውን ኣገንዚቦም።

ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምዃን ኣብ ቅድሚን ድሕሪን መረፃ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ጎንፂታት ንምትራፍ፥ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.