ዜጋታት ንባዕልቶም ካብ መበገሲታት ተቓላዕነት ሕማም ጉበት ክከላኸሉ ይግባእ-ዶ/ር ደረጄ ዱጉማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ንባዕልቶም ካብ መበገሲታት ተቓላዕነት ሕማም ጉበት ክከላኸሉ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶ/ር ደረጄ ዱጉማ ገሊፆም።
ብብርኪ ዓለም ንመበል 13 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል ታሽዓይ ግዘ “ጥዕና ጉበት ንጥዑይ ህይወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።
ዶ/ር ደረጄ ዱጉማ፥ ሕማም ጉበት ብብርኪ ዓለም ኢሉ እውን ኢትዮጵያ ቅልውላው ጥዕና ካብ ዘስዕቡ ሕማምት ተረቋሒ ኢዩ ኢሎም።
መበገሲ እቲ ሕማም ካብ መንጎ ዝኾኑ ጠንቅታት፥ እቲ ሕማም ምስ ዘለዎ ሰብ ስዲ ግብረ ስጋ ምፍፃምን መዐወንቲ እፃት ምጥቃመን ምዃኖም ከም ኣብነት ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ዜጋታት ንባዕልቶም ካብ መበገሲታት ተቓላዕነት ሕማም ጉበት ክከላኸሉ ይግባእ ኢሎም።