Fana: At a Speed of Life!

ዜጋታት በቢከተምኡ ኣብ ዝግበሩ መድረኻት ልዝብ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር  ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ለገሰ ቱሉ፥ ዜጋታት በቢከተምኡ ኣብ ዝግበሩ መድረኻት ልዝብ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኩለ መዳይ ከይዲ ሽግግር ፍትሒ ዕዉት ንክኸውን፥ ኣሳታፊ፣ ተጎዳእቲ ማእኸል ዝገበረ፣ ዓለም ለኸ ልምዲታትን መትከላትን ዘኽበረ ነባራዊ ኩነታት ሃገር ኣብ ግምት ብዘእተወ ማዕቀፍ ፖሊሲ ክምራሕ የግባእ ኢሎም።

ነዚ ድማ እቲ ማዕቀፍ ብሚኒስቴር ፈትሒ ተዳሊዩ ናብ መድረኽ ሀዝባዊ ዘተ ምቕራቡ ተዛሪቦም።

ኣብቶም ዝቐረቡ ኣማራፅታት ተመሳሳሊ ሓድነት ዕላማን ኣረኣእያን ንምፍጣር ኣብዛ ሃገር ኣብ ዘርከቡ ልዕሊ 50 ከተማታት ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊን ሰርዓት ሽግግር ፍትሒ ምትግባር ከምዘድሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈፀሙ ገልፂ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ኣግባብነት ብዘለዎ ኩነታት ምፍታሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ሓቂ፣ ፍትሒ፣ ሰላምን ዕርቂን መሰረት ብምግባር ዝነበሩ ፀገማት ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ሽግግር ፍትሒ መስዓብ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ዜጋታት በቢከተምኡ ኣብ ዝግበሩ መድረኻት ልዝብ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.