Fana: At a Speed of Life!

ዛዕባ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ፈተናታት ብምፅዋር ውፅኢት ከምዘመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዛዕባ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ፈተናታት ብምፅዋር ውፅኢት ከምዘመዝገበ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ከም ለበዳ ኮቪድ-19፣ ጎንፂ፣ ድርቂን ዝቕባባ ዋጋን ዝበሉ ፈተናታት ብምፅዋር፥ ዛዕባ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኣብ ምዕዋት ተስፋ ዝህቡ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሚኒስትር ምስ መሓዙት ልምዓት ብኣካልን ብመርበብ ሓበሬታን ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ካውንስ ትረስት ፈንድ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ እንትኸፍቱ ከምዝገለፁዎ፥ ዋላኳ ፈተንቲ ኩናታታት የሃልዉ እምበር ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ክቕፅል ኣብ ምግባር፣ ዝተረጋገአ ምህዳር ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ምፍጣር፣ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ ብምድንፋዕን ዘላቒ ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን፣ ውፅኢታውነት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ምምሕያሽን ንኢንቨስትመንት ምቹው ኩነታት ኣብ ምፍጣርን ተስፋ ዝህብ ለውጢ ምርኣይ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም፡፡

መሓዙት ልምዓት ኣብ ኢትዮጵያ ፕሮጀክታት ልምዓት ንምሕጋዝ ካብ ዝልግሰኦ ገንዘባዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ዛዕባ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብ,ንምሕጋዝ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ካብ ሞንጎ ዝኣተዉዎ ቃል ብ7 ሚሊየን ዶላር 12 ፐሮጀክታትእናተተግበሩ ምጥንሑ ብምሕባር፤ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ዕቤት፣ ግደ ዘፈር ውልቀ ኣብም ድንፋዕ ረብሓዘለዎ ከምኡ እውን ምስ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዝተናበበ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ጋህዲ ንኸኸውንክሳብ ሕዚ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም፡፡

ብኣተሓባበርነት ባንኪ ዓለም ተግባራዊ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ካውንስል ትረስት ፈንድ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ፥ ኣብ ምሕደራ ኢንቨስትመንት መንግስቲ፣ ምሕደራ ሃፍቲ ህዝቢ፣ መመሓየሺ ዘፈር ፋይናንስ፣ ምዝማን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ዝጠመቱ 9 ሓገዛት ቴክኒክ ብ6 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዶላር በጀት ናብ ተግባር ንኸኣትዉ ተወሲኑ፡፡

ብባንኪ ዓለም እናተመሓደረ ንዝርከብ ትረስት ፈንድ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝኸውን ገንዘብ ዘዋፅኡ ተወከልቲ መንግስታት ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ እንግሊዝን ጀርመንን ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተሳተፉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.