Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር ውልቀ ዘይተሳተፈሉ ክእለትን ልምዓትን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ክዕወት ኢዩ ኢልካ ኣይሕሰብን – ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ውልቀ ዘይተሳተፈሉ ክእለትን ልምዓትን፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኢንዱስትሪ ሰላምን ምርግጋፅ ከምዘይከኣል ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ሚኒስትር ዲኤታ ምውፋር ስራሕን ዘፈር ዕዳጋን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስራሕ ብምትሕብባር ተወከልቲ ኣስራሕቲን ሰራሕተኛን፣ ኢንዱስትሪታትን መዳርግቲ ኣካላትን ከምኡ እውን መሓዙት ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ፖሊሲ ቴክኒክን ሞያን ኢትዮጵያ ተዛቲዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይተ ጉሱ ጥላሁን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ዝኾነ ድሌት ዕዳጋ ስራሕን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ከምዘይተጠዓዓመ ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ዓቢዪ ፀገም ማክሮ ኢኮኖሚ ዝኾነ ቁፅሪ ስእነት ስራሕ ክብ ንኽብል ዝገበረ እንትኸውን፥ መንግስቲ እቲ ፀገም ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ስትራቴጂያዊ ለውጢን ምምፃእ ከምዘድሊ ኣሚኑ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰደ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ልምዓት ክእለት ድሌት ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ንኽኸውን፣ ፀገም ስእነት ስራሕ ንምፍታሕ፣ ርክብ ኣስራሒን ሰራሕተኛን ንኽሰምር ከምኡ እውን ኢንዱስትሪ ሰላም ኣጠዓዒሙ ንምምራሕ ሰፊሕ ምንቅስቓስ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብቲ መድረኽ ዝእከብ እታወት እውን ኣብ ቀፃሊ ንዝሰናዳእ ፅሬት ፖሊሲ ቴክኒክን ሞያን ወሳኒ ከምዝኾነ ከምዝተሓበረ ካብቲ ሚነሲቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.