Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር ቱሪዝም ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምዝማን ዘኸእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ዘፈር ቱሪዝም ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምዝማን ዘኸእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይን ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሰው ኢዮም ተፈራሪሞምዎ፡፡

ልምዓት ቱሪዝም፣ ኣተሓሕዛን አዝርገሐን ሓበሬታ፣ ዕድጊትን ናይ ምፍላጥ ስራሕቲን ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ተበፃሕነት ቱሪዝም ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ኢዩ፡፡

መርበብ ሓበሬታ ጋለሪን ኤግዚቢሽንን ምልማዕን ኣብ ስራሕ ምውዓልን፣ ቱሪዝም ብኢ-ቤተመፃሕፍቲን ኣውቶሜሽንን ምድጋፍ፣ ሰነዳት ብዲጂታል መልክዑ ተበፃሒ ምግባር፣ ዘበናዊ ስርዓት ክትትልን ድጋፍን ዲጂታል ቱሪዝም ምህናፅ፣ ዘበናዊ ዝኾነ ስርዓት ኣገልግሎት ዓማዊል ብወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት፣ ኣብ መባፅሕቲ ቱሪዝም ቦታታት ምትግባር ኣካል እቲ ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ስትራቴጂ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ቅድሚት ካብ ውሽጢ ዝሃቦም ዘፈራት ሓደ ዘፈር ቱሪዝም ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.