ዘፈር መገዲ ዝምረሐሉ ግልፂ ኣንፈት ዘቕምጥ ፖሊሲ ይሰናዳእ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር መገዲ ዝምረሐሉ ግልፂ ኣንፈት ዘቕምጥ ፖሊሲ እናተሰናደአ ምዃኑ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘሰናደኦ ረቂቕ ፖሊሲን ኣዋጅን መገዲ ኣመልኪቱ ልዝብ ይገብር ኣሎ፡፡
ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ እናተሰናደአ ዝርከብ ፖሊሲ ምስ ዘፈር መገዲ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ፀገማት ዝፈትሕ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ዝርከቡ ዝተሓላለኹ ፀገማት ሕቶ መገዲ፣ ዝተፈጠረ ሃፍቲ ብግቡእ ምሕላው፣ ተቛረፅቲን ኣማኸርቲን ስራሕ ውሽጢ ሃገር ዓቕሚ ብዝፈጥር መልክዑ ዘይምዕባይ፣ ፀገማት ምኽባር ወሰን፣ ፀገማት እታወትነ ካልኦትን ንምፍታሕ እቲ ፖሊሲ ከምዝሕግዝ ኣብሪሀን፡፡
ዘፈር መገዲ ኢትዮጵያ ኣብ 1989 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ 26 ሺሕን 500 ኪሎ ሜትሮ ሕዚ 160 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ከምዝበፅሐ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com