Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር ሕርሻ ብፋይናንስ ክሕገዝ ብምግባር ዝጸረሐቡ ዝበረታትዑ ውፅኢታ ክቕፅሉ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ኣይተ ኣህመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ሕርሻ ብፋይናንስ ክሕገዝ ብምግባር ዝጸረሐቡ ዝበረታትዑ ውፅኢታ ክቕፅሉ ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ገሊፆም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ትካልን ኣብ ሙዚየም ሳይንስ ተረኺቦም ዓውደ ምርኢት ሕርሻን ሳይንስን ዑደት ኣሳሊጦም።

ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ዘፈር ሕርሻ ብፋይናንስ ክሕገዝ ብምግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተመዝገቡ ዝርከቡ ዝነኣዱ ውፅኢታት ክቕፅሉ ንምግባር ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ።

ልምዓት እታ ሃገር ንምርግጋፅ ዘፍር ሕርሻ ልዑል ትሑረት ከምዝታኃቦ ብምግላጥ÷ “እዚ ንምዕዋት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ተሓንፂፆም ተግባራዊ እናተገበሩ ይርከቡ” ኢሎም።

ኣብ ልምዓት ዝራቲን ሃፍቲ እንስሳን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘዕግቡ ተግባራት ከምዝተሳለጡ ሓቢሮም።

ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ፍርያት ስርናይ ልዑል ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ዕላማ እቲ ኤግዚቢሽን ዘፈር ሕርሻ ዝርከበሉ ብርኪን ዕቤቱን ንህዝቢ ንምርኣይ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.