Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር ልምዓት ሕርሻ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዘድህብ ፕሮግራም ፀብፃብ ንጉባኤ መራሕቲ ክቐርብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ንኽትግበር ኣብ ዝወፅአ ዘፈር ልምዓት ሕርሻ ዘድህብ ፕሮግራም ኣብ ዝምልከት ናብ ጉባኤ መራሕቲ ፀብፃብ ቀሪቡ ልዝብ ከምዝግበረሉ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂበን መግለፂ ሂበን፡፡

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂአን፥ ጉባኤ ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ሕብረት ንኽልተ መዓልቲ ከምዝካየድን ኣብ መበል 35 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝቐርቡ ረቂቕ ኣዋጃት ከምዘሰናድእን ብመራሕቲ ልዝብ ከምዝግበረሉን ኣብሪሀን፡፡

እቲ ኣኼባ ኣፈፀምቲ ስራሕ ምስተዛዘመ ድማ ኣብ ዝቕፅል ቀዳምን ሰንበትን ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት ከምዝካየድ ገሊፀን፡፡

እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣብ ኣፍሪካ ስርዓተ ምግቢን ውሕስና ምግቢን ንምርግጋፅ ብፍላይ ጥንኩር ዘፈር ሕርሻ ኣብ ምምስራት፤ ልምዓት ሃፍቲ ሰብ ምጥንኻርን ምጥቃምን ከምኡ እውን ኣብ ኣድላይነት ምቅልጣፍ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ዕዙዝ ትኹት ተገይሩ ከምዝዝቲ ሓቢረን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.