Fana: At a Speed of Life!

ዘፈር ላዕለዋይ ትምህርቲ ብዓለም ለኻዊ ኣመራርሓ ንምጥንኻር ዝውዕል ፕሮጀክት ሓገዝ 1 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ላዕለዋይ ትምህርቲ ብዓለም ለኻዊ ኣመራርሓ ንምጥንኻር ዝውዕል ሓገዝ ፕሮጀክት ሓደ ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ፕሮጀክት ሓደ ሚሊየን ዶላር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቢሮ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ምሕዝነት ዩኒቨርሲቲታት ኣቢሉ ዝምራሕ ቢሮ ጉዳያት ኣፍሪካ ምምራፃ ስዒቡ ዝተረኸበ ሓገዝ ምዃኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ፍልጠት ምክፋልን ፅቡቓት ተሞክሮታት ምስፍፋሕን ዝዓለመ ሓገዝ ከምዝኾነ እውን እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ ኣሎ።

በቲ ሓገዝ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ዝሓቱ ክልተ ፕጀክታት ከምዝተመረፁ ተገሊፁ።

እቲ ፈላማይ ፕሮጀክት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብዓለም ለኻዊ ዘፈር ህንፀት ዓቕሚን ምምሕያሽ ፅሬትን ዝሰርሕ እንትኸውን፥ ብዩኒቨርሲቲ ኢንዲያና ዝምራሕ ኮይኑ ቢዝነስን ፈጠራ ስራሕን ስግግር ኣመራርሓን ዝብል ርእሲ ተዋሂቡዎ ኣሎ።

እዚ ፕሮጀክት ናይ ክልተ ኣመት ፕሮጀክት እንትኸውን፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዘሎ ሃብ ምጥንኻርን ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ ምስ ኣይቤ ኮሙኒቲ ኮሌጅ ብምትሕብባር ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሓዱሽ ሃብ ንምኽፋት ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ካልኣይ ፕሮጀክት ድማ ብዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ቴክ ዝምራሕ ኮይኑ ናይ ሰለስተ ዓመት ፕሮጀክት ኢዩ።

ዋና ትኹረት እቲ ፕሮጀክት ኣብ ማኔጅመንት ኣመራርሓን ምሕደራን ዘድሃበ ምዃኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.