Fana: At a Speed of Life!

ዘይግቡእ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይግቡእ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ዝቃወም ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ሰልፊ “ንኢትዮጵያ ደው እብል ድምፀይ ኣስምዕ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዎ ኢዩ።

እቲ ህዝባዊ ሰልፊ፥  ማሕበራት ሙያ ፣ ሲቪክ ማሕበራትን ናይ ፖለቲካ ፓርቲታትን ብሓባር ዘዳለውዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዕላማ እቲ ሰልፊ ኢትዮጵያ ዘላትሉ እዋናዊ ኩነታት ንማሕበረሰብ ዓለም ንምፍላጥን ሉእላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ምኽባር ኣብ ኩሉ ዓውዲታት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ምባልና ንምርግጋፅን ኢዩ ክብሉ ኣዳለውቲ እቲ ሰልፊ ሓቢሮም።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝሓዝዎ ቅዋምን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ፅዕንቶን ዝቃወም መልእኽቲ ይመሓላለፉ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝቐረበሉ ኣማራፂ ሰላም ብምንፃግ ንሳልሳይ እዋን ዝጀመሮ ኲናት ንምቕልባስን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝገብሮ ዘሎ ተጋድሎ ብኹለ መዳይ ደገፍ ህዝቢ ደጀንነቱ ዘርእየሉ ሰልፊ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.