ዘይተገበአ ኣጠቀቓቕማ ህይወት ኣድሕን ምግቢታት ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ፅዕንቶ የሕድር ኣሎ ተባሂሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 ኤፍ ቢ ሲ)ዘይተገበአ ኣጠቀቓቕማ ህይወት ኣድሕን ምግቢታት ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ፅዕንቶ እናሕደረ ምዃኑ ሚኒስትር ጥዕናዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።
ሚኒስቴር ጥዕና ዘይምምጥጣን ምግቢ ግልጋሎት ጥዕና ናብ ስሩዕ ፕሮግራም ጥዕና ንምእታው ዘኽእሎ ስምምዕነት ምስ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ፣ ዓለም ለኸ ፕሮግራም ምግቢን ትካል መርድእ ህፃናት ውድብ ሕራት መንግስታትን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።
እቲ ሰነድ ስምምዕነት÷ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ሓለፍቲ እቶም ትካላት ተፈራሪሞም።
ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ንሕክምና ዝኾኑ እታወታት ብዘይሕጋዊ መገዲ መገዲ እናተሸጡ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ኣብሪሀን።
እቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ካብ ገበንነቱ ብተወሳኺ ጥዑይ ሰብ እንተተጠቒሙዎም ንኻሊእ ምዝባዕ ጥዕና ዘቃልዑ ከምዝኾኑ እውን ኣመልኪተን።
ብለገስቲ ኣካላት ዝመፅኡ እታወታት ንዝተሓሰበሎም ዕላማ ጥራሕ ክውዕሉ ከምዝግባእ ዝገለፃ እተን ሚኒስቴር÷ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝሳተፉ ኣካላት ብሕጊ ንኽቕፅ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡
ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ጄኒፈር ቢቶንዴ ብግደአን÷ ኢትዮጵያ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ እጥረትን ንምክልኻል ዝሰርሐቶ ስራሕ ንኢደን።
እቲ ስምምዕነት ድማ ንቀፀልቲ ተግባራት ቁልፊ ግደ ከምዝፃወትን ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ዝግበሩ ሓገዛት ንዝምልከቶም ሰባት ምብፅሑ ምርግጋፅ ሓበራዊ ፃዕሪ ከምዝሓትት ኣገንዚበን።
ምክትል ተወካሊት ትካል መርድእ ህፃናት ውድብ ሕራት መንግስታትን ማሪኮ ካጎሺማ÷ “እቲ ስምምዕነት ብስእነት ምግቢ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከይጉዳእ ብሓባር ከምዝተለዓልና ዘርኢ ኢዩ” ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com