Fana: At a Speed of Life!

ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር ኲናት ኣብ ምክትታልን ኣዘዋወርቲ ኣብ ቁፅፀር ሕጊ ኣብ ምውዓልን ናይ ኩሉ ሓድነት የድሊ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር ኲናት ኣብ ምክትታልን ኣዘዋወርቲ ኣብ ቁፅፀር ሕጊ ኣብ ምውዓልን ናይ ኩሉ ሓድነት የድሊ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክሊ ምቁፅፃር ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር ኲናት ምስ ኣመራርሓ ክልላት ትማሊ ምዝታዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ኣፍሊጦም።

ብዘይሕጋዊ መገዲ መሳርሒ ኲናት ምእታውን ምዝውዋርን ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዝግበር ምትሕብባር ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምግላፁ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብዝተገበረ ስራሕቲ ኣዘዋወርቲ ዘይሕጋዊ ኣፅዋራት ኲናት ኣብ ምሓዝ ዘኹርዕ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ኣፍሊጦም።

ስለዝኾነ ካብ ዝኾነ ኣንፈት ናብ ዓዲ ውሽጢ ዝኣቱ ዘይሕጋዊ ዝውውር ኣፅዋር ኲናት ኣብ ምክትታልን ኣዘዋወርቲ ኣብ ቁፅፀር ሕጊ ኣብ ምውዓልን ናይ ኩሉ ሓድነት የድሊ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.