Fana: At a Speed of Life!

ዘተ ንኹሉ ተዓዋቲ ዝገብር ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘተ ንኹሉ ተዓዋቲ ዝገብር ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኲናት ነቢርናሉ ኢና፤ ዝተወሰኑ ፀገማትና ፈቲሕናሉ ኢና። ’ኣብዮት’ ደጋጊምናዮ ኢና፤ ዝተወሰኑ ፀገማትና እውን ፈቲሕናሉ ኢና” ኢሎም።

ብኽልቲኦም ዘይተፈትሑ ፀገማት ንምፍታሕ ዝተረፈና መገዲ ዘተ ኢዩ በምባል፥ ዘተ ኣይተጠቐምናሉን ክብሉ ገሊፆም።

ኲናትን ’ኣብዮት’ን ዝተማልአ መፍትሒ ዘየምፅኡ ሰዓሪን ተስዓሪን ስለዘስዕቡ ከምዝኾነ በምግላፅ፥ እንተደንጎየ እውን ዝተስዓረ ንምስዓር ይቃለስ ኢዩ ኢሎም።

ዝሰዓረ እውን ዓወቲ ንምዕቃብ ከምዝቃለስ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ዘተ ዘተ ንኹሉ ተዓዋቲ ከምዝገብርን በዚ እንተተሳዒርና አውን ኩላትና ንሃገርና ኢልና ኢና ንሰዓር ኢሎም።

ይሄ የምክክር ሂደት ሦስት ነገሮች ያስገኝልናል።

ከይዲ ዘተ ሰለስተ ነገራት ዘጨብጥ ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፥ ቀንዲ ቀንዲ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ፣ ዘተ ባህሊ ንክኸውን ኣብ ምግባርን ኣብ መንጎ ተፃረርቲ ሓይሊታት ምቅርራብን ምርድዳእን ክፍጠርን ከምዝገብር ኣብሪሆም።

እቲ ምቅርራብ ብምጥቃም ንቕድሚት ኣብቶም ዛዕባታት እናተዘራረብካ ንምቕፃል ዘኽእል ከምዘኾነ እውን ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ እቲ ዕድል ከየበላሸና ናብ ዝተማልአ ዓወት ንክንሰጋገር እሓትት ክብሉ ለበወኦም ኣቕሪቦም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.