Fana: At a Speed of Life!

ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ክልል ትግራይ ይጓዓዓዝ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተዓደገ ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ክልል ትግራይ እናተጓዓዓዘ ምዃኑ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ንዝቕፅል ዘበነ ምህርቲ ነቲ ክልል 1 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ ከምዘድሊ ዝገለፁ ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣበራ ከደነው÷ መንግስቲ ፌዴራል ብሚኒስቴር ሕርሻ ኣቢሉ ኣቢሉ ልዑል ክትትልን ሓገዝን እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዘበነ ምህርቲ ሕፅረት እታወት ሕርሻ ከጋጥም ኢዩ ዝብል ስግኣት ከምዘየለ እውን ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ብመንግስቲ ፌዴራል ንዝቕፅል ዓመት ዘበነ ምህርቲ ዝኸውን ዝተዓደገ ዘበናዊ ዱኽዒ ናብቲ ክልል ኢሉ እውን መኻዚን ናብ ዝተሰናደአሎም ወረዳታት ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጦም፡፡

እቶም እታወታት ብእዋኑ ናብቲ ክልል ምእታዎም ኣብ ምውሳኽ ፍርያትን መፍረያይነትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ኣመልኪቶም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.