Fana: At a Speed of Life!

ዘላቒ ዕቤት ንምርግጋፅ ሕዚ ስርዓተ ትምህርቲ ተሳፋ ዝንበረሉ ኢዩ – ፕሬዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒ ዕቤት ንምርግጋፅ ሕዚ ስርዓተ ትምህርቲ ተሳፋ ዝንበረሉ ከምዝኾነ ፕሬዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ገሊፆም።

ኣብ ታሪኽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንፈለማ እዋን ንሓደ መምህር መዓርግ ፕሮፌሰርንት ከምዝህብ እውን ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ሎሚ መዓልቲ ተምሃሩኡ እንተመርቕ ፕሬዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ዳምጠው ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃርን ምርምርን ብስፍሓት እናሰርሖ ዝርከብ ካብ በዝሒ ንላዕሊ ኣብ ፅሬት ብምትኳር ከምዝኾነ ኢዩ።

ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ግደ መምህራን ዕዚዝ ግደ ከምዝወስድ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ስራሕቲ ምርም ንምጥንኻር ብልዑል ብርኪ እናተንቀሳቐሰ ይርከብ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፥ 159 ምርምራት ዛዚሙ ናብ ስራሕ ንምእታው ምድላው እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ተኸባቢርካን ተሓጋጊዝካን ብምስራሕ ሃገር ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ፥ ተመረቕቲ ተምሃሮ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 6 ሺሕ ተምሃሩኡ ንመበል 34 ዙር ሎሚ መዓልቲ እናመረቐ ይርከብ።

ብኣመለወርቅ ደምሰው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.