Fana: At a Speed of Life!

ዘላቒ ሃገራዊ ሰላም ምንጋስን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ኢዮም-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒ ሃገራዊ ሰላም ምንጋስን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ኢዮም ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳን ክልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስረሐን ምጅማረን ብዕሊ ኣብ ዘብሰርሉ እዋን ከምዝበልዎ፥  ካብዚ ንደሓር ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ብብሕታውነት ናይ ምጥቃም መሰል ናይ ትካላት መንግስቲ ጥራሕ ከምዝኾነ ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም።

እዚ ዓመት ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣፈፃፅምኡ ዝመሓየሸሉ ኢዩ ብምባለ፥ ንእንሃንፆ ዘላቒ ሰለም ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ነዚ ድማ ብህብረብሄራዊነት ዝማዕረገት ኢትዮጵያ ናይ ምፅናዕ ምዕራፍ ወግዓዊ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ሃገራዊ ዓምድታት እወን ዘፅንዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ዘላቒ ሃገራዊ ሰላም ምንጋስን ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅን ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣረጋጊፆም።

ብፌቨን ቢሻው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.