ዕጫ ብኽሳራ ዝተደምደመ ወፍሪ ሓድድነት!!
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብብርጋዲየር ጄኔራል ምግበይ ሃይለን ተሓባበርቱን ብምውዳብን ኣጆኻ በሃላይነትን ወፍሪ ሓድነት ብዝብል ስያመ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ወረዳታትን ክልል ኣምሓራ ትንኮያ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝፈተነ ፅንፈኛ ጉጅለ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሰራዊ ምክልኻል ኣፍሊጡ።
ብርጋዲየር ጄኔራል ምግበይ ዕድመ ልክዑ ኣብ ታሪኹ ጎንፂ እናፀሞቐ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ኲናት ብምእታው ብዘይ ዝኾነ ወታደራዊ ፍልጠት መናእሰይ ናብ ሓዊ ብምእታው ናይ ምውዳእ ታሪኽ ዘለዎ ፀረ ሰላምን ፀረ ልምዓትን ዘሰጉም ኢዩ ኢሉ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣብ ዝፈነዎ ሓበረታ።
ውግእ ከቢዱዎ ዝሃደመ መንእሰይ ንምንታይ ሃዲምካ ብዝብል ሰበብ ብጅምላ ናይ ምርሻን ልምዲ ዘለዎን ብዘይ ፍልጠት ደም መናእሰይ ትግራይ እናመጠጠ ዝፀንሐ ከምዝኾነ እንተይኣኸሎ፤ ሕዚ ድማ መራሕቲ ኢና ብዝብሉ ፅንፈኛ ኣቢሉ ደላዪ ሰላም መንእሰይ ኣምሓራ ህይወት ንምቕጣፍ ምንቅስቓስ ምጅማሩ ተፈሊጡ ኣሎ ኢሉ እቲ ሓበሬታ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዝነበረ ኲናት ሰሜን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ትግራይ እናረሸነ ክርሸኑ እናገበረ ዝወደአ ፀሊም ታሪኽ ምፅሓፉ ከየኣክል፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን መሰል ተግባር ንምፍጣም እናተንቀሳቐሰ ይርከብ ተባሂሉ፡፡
“ምዕራብ ትግራይ ክምልስ ኢየ ብዝብል ሓሳብ ክልተ ግዘ ንሰራዊት ምክልኻል መንግስቲ ፌዴራል ንምጥቃዕ ፈቲኑ፤ ብ10 ሺሕ ዝቑፀሩ መናእሰይ ዘወደአ ውግእ እምቢ እንትብሎ ናይ ባዕሉ ዕጡቓት ረሺኑን ቀቲሉን ውግእ እንተይተሳኸዐሉ ዓካዓካሪቲ ተወቒዑ ሃዲሙ ኢዩ” ኢሉ ሰራዊት ምክልኻል።
“ምግበይ ሃይለ ዘረፋን ሌብነት ልሙድ ስሩዕ ስርሑ ኢዩ” ዝበለ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል፤ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘወርቂ ትግራይ እናዘረፈ ብኤርትራ ኣቢሉ እናሸጠ ይርከብ” ክብል ገሊፁ፡፡
ኣብ ዘበነ ኢህወዴግ ብዘረፋን ሌብነት ፍሉጥ ዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብዝሰረቖን ዝዘረፎን ገንዘብ ኣብ ኣኣዲስ ኣበባ ፉቓት ዝደርደረ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ዱባይ ፎቓት ንምስራሕ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝተወዓዓለ ኣብ ሶሻል ሚዲያ እናተዘረበ ፀኒሑ ኢዩ ተባሂሉ።
ምግበይ ሃይለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንኽፈርስን ከይዕወትን ልዑል ፃዕሪ እናገበረ ዝርከብ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ፤ ማህተም ግዚያዊ ምምሕዳር ንምሕዳግን ብሓይሊ ብምፍራስን ስልጣን ንመሓዝ እናፈተነ ፀረ ሰላምን ፀረ ልምዓትን እናሰጎመ ይርከብ ኢሉ እቲ ሓበሬታ።
ጠንቂ ሰላም ዝኾነ ምግበይ ሃይለ ነዚ ሰሪ ተግባሩ እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ከም ተሓባሪ ብምጥቃም ኣብ ናይ ባዕሉ ክልል ዘይተገበአ ዕንወት ንኽፍፅም ኣዚዙዎ ኣሎ ኢሉ። ይኹን እምበር ወፍሪ ሓድነት ብዝብል ስያመ ነቲ ፅንፈኛ ኣተሓባቢሩ ኣብ ዝጀመሮ ትንኮያ ልዑል ዝኾነ ሰብኣዊን ቁሳዊን ክሳራ በፂሑዎ ኣሎ ይብል ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል።
“ኣብ ደቡብ ጎንደር፣ ምዕራብ ጎንደር፣ ሰሜን ጎጃም፣ ምብራቕ ጎጃም፣ ምዕራብ ጎጃም ከምኡ እውን ኣብ ሰሜን ወሎ ልኡኻት ምግበይ ሃይለ ዝኾኑ ፅንፈኛታት ብዝለኮሱዎ ሓዊ ተለብሊቦም” ተባሂሉ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ክልተ መዓልቲ ጥራሕ 317 ዝተቐተለ፣ 41 ዝተማረኸ፣ 125 ዝቆሰለ፣ 27 ኢድ ዝሃበ፣ 51 ብምሕረት ዝኣተወ፣ 15 ሓበሬታ እንተቐብል ዝተትሓዘ፣ ብድምር 576 ናይ ሰብ ክሳራ በፂሑዎ ይብል እቲ ሓበሬታ፡፡
ከምኡ እውን 1 መትረየስ፣ 119 ከላሽን፣ 46 ድሑራት ኣፅዋራት፣ 8 ሽጉጥ፣ 22 ቦምቢ፣ 2 ሺሕን 290 ዝተፈላለዩ ዓይነት ተተኮስቲ፣ 28 ዕጥቂ፣ መራኸቢ ራዲዮ፣ ተሽከርከርቲ፣ ባጃጅ፣ ሞተር ሳይክልን ካልኦት ናውቲን እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ምክልኻል ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።
እዚ ብምግበይ ሃይለን ተሓባበርቱን ኣጆኻ በሃላነት ዝተኣዘዘ ፅንፈኛ ጉጅለ፤ ክንድዚ ዘኣክል ክሳራ ዝበፅሖ እንትኸውን ብህይወት ዝተረፈ ዝተበታተነ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ ኢዩ ኢሉ፡፡