Fana: At a Speed of Life!

ዕድል ስራሕ ንምስፋሕ ዝሕግዝ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ግራቪቲ ግሩፕ ምስ ዝተብሃለ መቐመጢኡ ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ዝገበረ ትካል ንዜጋታት ዕድል ስራሕን ስልጠናን ንምስፋሕ ዝሕግዝ ስምምዕነት ተፈራሪሙ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዜጋታት ኣብ ዓውዲ ሕትመት ሰልጢኖም ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ንኽኾኑ ከምዘኽሎም ተሓቢሩ።

እቲ ሚኒስቴር ስልጠናን ዕድል ስራሕን ዜጋታት ክብ ንምባል ዝዓለሙ ስምምዓት ብምፍፃም ኣብ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ዕዉት ውፅኢት ንምምዝጋብ መሰል ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ሕጋዊ መሰረት ዘለዎም ምውፋራት ክህልዉ ብምግባር ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ብሰሎሞን ይታየው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.