ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ኩሉ ብዓቕሙ ኣክሲዮን ብምግዛእ ሃፍቲ ዘፍርየሉ ክኸውን ኢዩ – ጥላሁን እስማኤል (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ኢትዮጵያ ኩሉ ብዓቕሙ ኣክሲዮን ብምግዛእ ሃፍቲ ዘፍርየሉ ክኸውን ኢዩ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ጥላሁን እስማኤል (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተኸፈተ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት መብዛሕትኡ ግዘ ኣክሲዮን፣ ቦንድ መንግስቲ፣ ሰነድ ግምጃ ቤት መንግስቲ፣ ቦንድ ኩባንያታትን ካልኦት ቦንድታትን ናብ ማእኸላዊ ቦታ ብምምፃእ ዝተዓዳደጉሉ መድረኽ ኢዩ፡፡
እቲ ዕዳጋ መሸጣ፣ ዕድጊትን ልውውጥ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ዝግበረሉ እንትኸውን÷ ንዕቤት ጉጠባዊ ሃፍቲ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ይእመነሉ፡፡
ዋና ዳይሬክተር ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ኢትዮጵያ ጥላሁን እስማኤል (ዶ/ር) ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት÷ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ሕፅረት ፋይናንስ መንግስቲ ንምፍታሕ፣ ዘፈር ውልቀ ብፍላይ ፈጠርቲ ስራሕ ናይ ነዊሕ ግዘ ድሌት ፋይናንስ ንምምላእን ስእነት ስራሕን ከምዝንኪ ኣብሪሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዉ ክፍተታት ንምንካይን መፍረያይነት ንምድንፋዕን ዕድል ንመሃብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ “እቲ ትካል ኩሉ ሰብ ብዓቕሙ ኣክሲዮን ብምግዛእ ሃፍቲ ዘፍርየሉ ክኸውን ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
ብፌቨን ቢሻው