Fana: At a Speed of Life!

ዕውትነት ሓምለዋይ ኣሰር ሃገርና ዝነኣድ ስራሕ ክትሰርሕ ከምእትኽእል ዓብዪ መርኣያ እዩ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕውትነት ሓምለዋይ ኣሰር፤ ሃገርና ዝነኣድ ስራሕ ክትሰርሕ ከምእትኽእል ዓብዪ መርኣያ እዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

ፕሮጀክት ሓምለዋይ ኣሰር ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2011 ዓ.ም ብዕሊ እንትጅመር ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ዓመታት 20 ቢሊዮን ፈልስታት ንምትካል ዝተጀመረ ሃገራዊ ፕሮጀክት ከምዝነበረ እቲ ኣገልግሎት ገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ ተኸላ ሓምለዋይ ፈልሲ ካብ ዝተጀመረሉ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሃገርና 25 ቢሊየን ዝኣኽሉ ፈልስታት ተተኺሎ እዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ጥራሕ 18 ቢሊየን ፈልስታት ከምዝተተኸሉ ኣብሪሁ፡፡

ኣብ ዝተተሓዘ እዋን ክረምት ድማ ‟ኣሰርና ንወለዶና” ብዝብል መሪሕ ቃል 6 ቢሊየን ፈልስታት ንምትካል ተተሊሙ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 6 ነጥቢ 2 ቢሊየን ፈልስታት ብምትሕብባር ሕብረተሰብ ተተኺሎም እዮም፡፡

ኣብ ዝሓዝናዮ ክረምታዊ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ተሳትፎ ሕብረተሰብ እናወሰኸ ዝመጸ ኾይኑ ኣብዚ ድማ 29 ነጥቢ 46 ሚሊየን ሰባት ከምዝተሳተፉ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ፡፡

ዕላማ እቲ ፕሮጀክት ዓላማ የደን ብርሰት ኣግራብ ንምዕጋት፣ ኩነታት ለውጢ ኣየር ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምፅዋር፣ ዝህነፁ ዓበይቲ ግድባት ካብ ደለል ንምክልኻል፣ ልምዓት ኣግራብን ተፋሰስን ንምርግጋፅ እዩ፡፡

“መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፈልሲ ባህሊ ፈልሲ ምትካል ሕብረተሰብ ክውስኽ ገይሩ እዩ” ኢሉ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ንዝተተኸሉ ፈልስታት ኣድላዪ ክንክን ተገይሩ ሃገራዊ ሸቶታት ንኽሳኽዑ ኩሉ እጃሙ ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣቕሪቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.