Fana: At a Speed of Life!

ዕዉትነት ሃገራዊ ዘተ በየንኦም መለክዒታት ክምዘን ይኽእል?

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምሌ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕዉትነት ሃገራዊ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ይረአ፡፡

መዛግብቲ ስነ-ምይይጥ ከምዘርእዩዎ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘተ ንምግባር እንትሓስባ ኣብ ፍፃመ እቲ ከይዲ ዝፅበዩዎም ውፅኢታት ይህልዉ ኢዮም፡፡

ብመሰረት እዚ ሃገራዊ ዘተ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ምዕዋቱ ንውፅኢታውነቱ ዕዙዝ ግደ ይፃወቱ፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ዝተሰርሑ መፅናዕቲታት ከምዘመላኽቱዎ ሃገራት ከይዲ ምይይጥ ዝጀመሩሉ ምኽንያት ዝፈላለ ከም ምዃኑ ውፅኢቶም እውን ዝተፈላለየ ከምዝኾነ ይረአ፡፡

ዕዉትነት ከይዲታት ዘተ ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ምምዛን ከምዘይከኣል ተገይሩ ግን ክሕሰብ የብሉን፡፡

ብኣንፃሩ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዝስርሑ መጥናዕቲታት ዕዉትነት ዘተ ንምምዛን እዞም ዝስዕቡ መበገሲ መለክዒታተ የቐምጡ፡፡

  1. ውፅኢት እቲ ዘተ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝነበሩ ስግኣታትን ቅራነታትን ንምፍታሕ ግልፂ መፍትሒ ሓሳባት ከምፅእ እንትኽእል፤
  2. ኣብ ከይዲ እቲ ዘተ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ ከይዲ ንዝርከቡ ውፅኢታት ተገዛእቲ እንትኾኑን ኣብቶም መፍትሒ ሓሳባት ስምምዕነት እንትህልዎምን፤
  3. ኣብ ውፅኢታት ሃገራዊ ዘተ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኢዱ እንተየእተወን ጎንፂታተ እንተይተፈጠሩ ኢሉ እውን እቶም ውፅኢታት ብዝተሃቀነ መሰረት ንትግበራ እንትቐርቡ፤
  4. ኩሎም መዳርግቲ ኣካልት ጭቡጣት ዝኾኑ መገዲታት ሰላም ንምትግባር ኣብ ስምምዕነት እንትበፅሑ፤
  5. ውፅኢታት ሃገራዊ ዘተ ናብ መሬት ኣውሪድካ ንምትግባር ዘኽእል ግልፂ ፍኖተ ካርታ ተሓንፂፁ ንከይዲ ኣፈፃፅማ ዝምጥን ስራሕቲ ክትትልን ምዘናን እንትሰርሑ ዝብሉ ከምዝኾኑ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.