Fana: At a Speed of Life!

ዕዉታት ደቂ ኣንስትዮ ንመናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ልምዲ ዘካፍላሉ መርሃ ግብሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ መንፈቕ ዘበነ ትምህርቲ  ልዑል ውፅኢት ዘመዝገባ ዕዉታት ደቂ ኣንስትዮ ንመናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ልምዲ ዘካፍላሉ መርሃ ግብሪ ዕላዊ ኮይኑ።

ብሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝተዳለወ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ኢዩ ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ።

ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ዕላዊ ዝኾነ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ልዑል ውፅኢት ዘመዝገባ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ምስ ዕዉታት ደቂ ኣንስትዮ ተጣሚረን ብስልጠና ንኽበቕዓ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እተን ዝተመረፃ ተምሃሮ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውፅኢታውያን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ልምደን ከምዘካፍለአን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.