Fana: At a Speed of Life!

ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብ ዝራእቲ ጉድኣት ከየስዕብ ዘኽእል ስራሕቲ ቅድመ ምድው ይግበር ኣሎ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብ ዝራእቲ ጉድኣት ከየስዕብ ዘኽእል ስራሕቲ ቅድመ ምድው እናተገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ሕርሻ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኢታ ሕርሻ ዶክተር ማንደፍሮ ንጉሴ ምሽ ፋና ብሮድካስቲን ግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ክልል ሶማሌ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ከምዘሎን ዘብፀሖ ጉድኣት እውን ዝተሓተ ከምዝኾነን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፥ ብሶማሌ ላንድን ኬንያን ኣቢሉ ክኣቱ ዝኽእል ስግኣት ዝኾነ ዕስለ ክህሉ ከምዝኽእል ዘርእዩ ሓበሬታታትን ምልክታትን ከምዘለዉ ዶክተር ማንደፍሮ ኣገንዚቦም።

ነዙይ መበገሲ ብምግባር ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ሶማሌን ደቡብን ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እናተሰርሑ እንትኾኑ፥ ሰለስተ ኣውሮፕላናትን ሓንቲ ሓባሪት ኣንፈት ሄሊኮፕተርን ከምዝተዋፈራ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፆም።

ተሸከርከርቲ ሓዊሱ እቲ ዕስለ ኣምበጣ ክረኣየሎም ናብ ዝኽእሉ ከባቢታት ኬሚካል ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ዶክተር ማንደፍሮ፥ ናብ ጂግጂጋን ድሬዳዋን ጥራሕ 70 ሺሕ ሊትሮ ኬሚካል ይጓዓዓዙ ኣለዉ።

ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ዝቕፅል ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትምበያታት እናፍለጡ ስለዝኾነ ሚኒስቴር ሕርሻ እውን ነዙይ ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.