ዕላማ ሪፎርም ዓውዲ የትምህርቲ ህፃናት ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ክበፅሖም ምግባር ኢዩ – ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕላማ ሪፎርም ዓውዲ የትምህርቲ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ህፃናት ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ክበፅሖም ምግባር ከምዝኾነ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ማሕበረሰብ ዝተለዓሉ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ኣብ ዘሸናደኦ መድረኽ ብምቕራብ ኣብ ዝሃዎ ምላሽን መብርሂን፤ “ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ምብፃሕ ብሓደ ግዘ ዝመፅእ እንተይኮነስ ግዘ ዝወስድ ስራሕ ኢዩ” ኢሎም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝወሃብ ትምህርቲ ኣፈላላይ ፅሬቱ እናሰፍሐ እንድሕር መፂኡ ፍትሓዊ ተበፃሕነት ትምህርቲ ዓሲሉ ምባል ከምዘይከኣል ብምሕባር፤ ፅት ትምህርቲ ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ፀገም ፅሬት ትምህርቲ ዝፀንሐን ዝተሓላለኸን ከምዝኾነ በምግላፅ እቲ ፀገም ምፍታሕ ግዘ ከምዝደሊ ኣገንዚቦም።
ፀገማት ፅሬት ትምህርቲ ብምፍላይ፤ ኣብ ብቕዓት መምህራን፣ መሰረተ ልምዓትን ስርዓተ ትምህርቲን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሪፎርምታት ብምግባር እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ዝሐሸ ንምግባር ብዙሓት ፈተነታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ኣብ ሞንጎ ኣቢያተ ትምህርቲ መንግስቲን ውልቀን ዘሎ ኣፈላላይ ካብ እዋን ናብ እዋን እናሰፍሐ ምምፅኡ ብምሕባር እዚ ንምፅባብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ዓቕሚ መምህራን ንምዕይ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክረምቲ 60 ሺሕ ዝኾኑ መምህራንን 7 ሺሕ ርእሳና መምህራንን ስልጠና ከምዝወሰዱ ብኣብነት ኣልዒሎም።
ኣብ ዝቕፅል ክረምቲ ድማ ን84 ሺሕ መምህራን ስልጠና ንመሃብ ከምዝተሓሰበ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ጥቕማ ጥቕሚ መምህራን ተተሓሂዙ ናብራ መምህራን ንምልዋጥ እናተሰርሐ ከምዝኾነነወ መስርሒ ገዛ መሬት ንምርካብ ምስ ክልላት ዝርርብ እናተገበረ ከምዝኾነን ገሊፆም።
ብእየሩስ ወርቁ