Fana: At a Speed of Life!

ዓድዋ ኣብ ታሪኽ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ወሳኒ ዓወት ኢዩ – ጁሊየስ ጋርቬይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓድዋ ኣብ ታሪኽ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ወሳኒ ዓወት ኢዩ ክብሉ ወዲ ተቓላሳይ ናፅት ፀለምቲ ህዝቢታት ዝነበረ ማርከስ ጋርቬይ ጁሊየስ ጋርቬይ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ጁሊየስ ጋርቬይ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ፋሺስት ጣሊያን ኣብ ዓድዋ ዝተጎናፀፈቶ ዓወት ኣብ ትሪኽ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ወሳኒ ምዕራፍ ኢዩ።

እቲ ዓወት ኢትዮጵያ ከይትግዛእ ካብ ምኽኣሉ ሓሊፉ ፀለምቲ ህዝቢታት ንናፅነቶም ክለዓሉ ምኽንያት ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ነዚ ስዒቡ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ፀለምቲ ህዝቢታት ዓብዪ ቦታ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ካብ ኣፍሪካ ወፃእ ኣብ ዝርከቡ ፀለምቲ ህዝቢታት ፅንሰ ሓሳብ ፓን-ኣፍሪካኒዝም ኣብ ምንቕቓሐ እውን ዓብዪ ግደ ዝነበሮ ዓወት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

እዚ ታሪኽ ኣብ ውሽጢ ስርዓተ ትምህርቲ ኣካቲትካ ብምምመሃር ንሓዱሽ ወለዶ ብግቡእ ኩነታት ምፍላጥ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኢትዮጵያ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ብዘይምንብርካኽ ዘመዝገበቶን ንናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት ኣብነት ብምዃኑ ዓወት ዓድዋ ኩሎም ፀለምቲ ህዝቢታት ዘኽብሩዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.