Fana: At a Speed of Life!

ዓድዋ ተምሳሌት ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት፤ ማሕተም ሉኣላዊነና ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2025፣ (ኤፍ ቢ ሲ)”ዓድዋ ተምሳሌት ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት፤ ማሕተም ሉኣላዊነና ኢዩ” ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡

እቲ ኣገልግሎት መበል 127 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ አመልቱ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ኣብ መልእኽቱ፥ 23 ለካቲት 1888 ዓ.ም ኣቦታት ዝተጎናፀፉዎ ዓወት አድዋ፤ ኢትዮጵያውያን ናፅነቶምን ሉኣላዊነቶምን ክገፍፍ ዝመፅአ ዝሰልጠነ ወራሪ ጦር ብልዑል ወነ ጅግንነት፣ ብሓድነትን ፅንዓትን ዝሰዓሩሉ ዕለት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

“ዓወት ዓድዋ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ ገመድ ፍቕሪ ዘተኣሳሰረ ብስራት ናፅነትን ሉኣላዊነትን ኢዩ” ኢሉ፡፡

እቲ ዓወት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝፀንዐሉ እምነ ኹርናዕ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ፡፡

ዓወት ዓድዋ ካብ ግዚያዊ ውፅኢቱ ብተወሳኺ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዓለም ዝቔረ ብድሙቕ ቀለም ዝተፅሓፈ ዓወት ከምዝኾ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ካብ ዓወት ሓሊፉ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ዝፀንዐሉን መስትያት መርኣያ ውፅኢት ምትሕብባርናን ብምዃን እናተዘከረ ከምዝፀንሐ እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ገሊፁ፡፡

“ኢትዮጵያዊያን ንሓደ ዕላማ፤ ብሓድነት ሓቢሮም እንትስለፉ እንታይ ዓይነት ውፅኢት ከምዘምፅኡ ኣብ ዓወት ዓድዋ ተረጋጊፁ ኢዩ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት፥ ዓወት ዓድዋ ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ናፅነት ዘበሰረ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ዓወት ዓድዋ ሓሳብ ፓን-ኣፍሪካኒዝም ንኽፅነስ ዓብዪ መሰረት ዘንበረ ክስተት ከምዝኾ እውን ኣብሪሁ፡፡

መንፈስ ዓወት ዓድዋ ኣብ ኣእምሮ ዝቕፅሉ ተኸታተልቲ ወለዶታት ዝተቐረፀ ሓወልቲ ዓወት ብምዃኑ፥ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙዋ ሃገራዊ ፈተናታት ብሓበራዊ ርብርብ ክፈትሕ ከምዝኽእል ቁምነገር ዘጨብጥ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ናይ ሕዚ ወለዶ ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝተርኣየ ጅግንነት፣ ሓድነትም ፅንዓት ዕላማን ኣቦታቱ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ክደግም ከምዝግባእ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣብ መልእኽቱ ኣገንዚቡ፡፡

“ኣብ ዘበንና እውን ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሰ፣ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዳውያን ኣብ ምምካት፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ዓውዲታትን ዝተርኣየ ሕብረትን ዝመፅአ ለውጢን፥ ብመንፈስ ዓወት ዓድዋ ምንቅስቓስ ውፅኢቱ ዘዕግብ ከምዝኸውን ዘገንዘበ ኢዩ” ኢሉ፡፡

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.