Fana: At a Speed of Life!

ዓይነ ስዉር ተምሃሮ ትምህርቶም ብዘሓሸ ኩነታት ምክትታል ንኽእሉሉ ዝሕግስ ስምምዕነት ሓገዝ ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓይነ ስዉር ተምሃሮ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ትምህርቶም ብዘሓሸ ኩነታት ምክትታል ንኽእሉሉ ዝሕግስ ስምምዕነት ሓገዝ ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ኣብ ሞንጎ ማእኸል ተስማዕማዒ ቴክኖሎጂ ንዓይነ ስዉራትን ሚኒስቴር ትምህርቲን ኢዩ ተፈሪሙ።

ዓይነ ስዉራት ተምሃሮ ብኮምፒዩተር፣ ብብሬልን ካልኦት ሓገዝቲ መሳርሒታትን ተሓጊዞም ትምህርቶም ምክትታል ንኽኽእሉ ዝገብር ስምምዕነት ስለዝኾነ ኣብ ኩነታት ከይዲ ምምሃር ተምሃሮ ክፍጠር ዝኸእል ኣወንታዊ ፅዕንቶ ልዑል ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ማእኸል ተስማዕማዒ ቴክኖሎጂ ንዓይነ ስዉራትን ሚኒስቴር ትምህርቲን፥ ኣብ ቀፃሊ ተሓባቢሮም ብምስራሕ ፍሉይ ሓገዝ ንዘድሊዮም ተምሃሮ ሓገዝ ከምዝገብሩ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.