Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ብቖራፅት ክንሰርሕ ኢና – ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 2017 ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ በቢብርኩ ብቆራፅነት ክስራሕ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።

“ቀዳማይ ብርኪ ዝላ ክንክን ጥዕና ንዝተቐላጠፈ ዓወት ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት” ብዝል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ እናተኻየደ ዝፀንሐ መበል 26 ዓመታዊ ጉባኤ ዓውዲ ጥዕና ተዛዚሙ።

ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ÷ እቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ጥንካረታትን ክፍተታትን ዝተፈለየሉ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ዓውዲ ንምምሕያሽ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምጥምኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝርኣየሉ ጉባኤ ከምዝነበረ እውን ተዛሪበን።

ኣብቲ በጀት ዓመት ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ክንክን ጥዕና ዝላ ንምምፃእ ብዙሓት ተግባራት ምውጋን ትፅቢት ከምዝግበር ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፤ ትልሚታት ናብ ታሕቲ ኣውሪድካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ቀፃሊ ጉባኤ ዓውዲ ጥዕና 2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ጅማ ንኽካየድ ከምዝተወሰነ እውን ተሓቢሩ።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.